ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ቀርጸት – ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ካብ ትካል ጥዕና ወጻኢ ናይ ዝሓርሳ ነፍሰ-ጾራት ብዝሒ – ኣብ 2021 ናብ ዜሮ ከምዝወረደ ተገሊጹ።

ሓላፊ መደበር ጥዕና ቀርጸት ነርስ ሃሽም ሁመድ፡ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ – ውጽኢት ናይ’ቲ እናበረኸ ዝመጽእ ዘሎ ንቕሓት ሕብረተሰብ ምዃኑ ብምሕባር፡ ኣዴታት ካብ ቀዳማይ ወርሒ ጥንሰን ኣትሒዘን ናብ ሕክምና ክመላለሳ ኣዘኻኺሩ።

ኮም ዘማእከለ መደባት ከባብያዊ ንጽህና ብምርግጋጽ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል ብዝተኻየደ ጻዕሪ እውን ሸፈነኡ 99 ምእታዊት በጺሑ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ደግሲታት ንኸየጋጥም ጥቡቕ ምክትታል ክግበር ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ነበርቲ፡ ናብ ምምሕዳር ከባቢ መለብሶ ዝገብርዎ ዝነበሩ ናይ 20 ኪሎ-ሜተር ጉዕዞ ተሪፉ፡ ብቐረባን ብዘይ ሃልኪን መሰረታዊ ኣገልግሎት ጥዕና ይረኽቡ ከምዘለዉ ብምምልካት፡ ሕጽረታት’ታ መደበር ጥዕና ክማላእ ሓቲቶም።

መደበር ጥዕና ቀርጸት፡ ንነበርቲ ዓድታት ሸላሻይ፡ ጉስጣ፡ ሕምብር፡ ወለትዕቤድ፡ ኣብቀዳድ-ረዪምን ኣብቀዳድ-ሓጪርን፡ ከምኡ’ውን ንነበርቲ ከባቢታት ሸጋሊ – ንኡስ ዞባ ኣስማጥ፣ ማይ-ምልሕ – ንኡስ ዞባ ሃበሮን ኣያጉን እንረኩበትን – ንኡስ ዞባ ሓልሓልን ኣገልግሎት ትህብ።

Categories