ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡሳን ዞባታት ሰረጀቓ፡ ጋላ-ነፍሒን በሪኽን ኮም ዝመርሖ መደባት ከባብያዊ ጽሬት ንምስፋሕ ክካየድ ብዝጸንሐ ጻዕሪ፡ ሸፈነ ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ 97 ሚእታዊት በጺሑ።

ኣብ 2008 እቲ ሸፈነ ኣስታት 8 ሚእታዊት ከምዝነበረ ዝሓበረ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ተወካሊ ኣሃዱ ከባቢያዊ ጥዕና ኣቶ ነጸርኣብ ደበሳይ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ – ካብ 94 ዓድታት እተን 91 ነቲ መደብ ብምልኣት ከምዝዛዘማኦ፡ 3 ዓድታት ድማ ኣብ ስራሕ ከምዝርከባ ገሊጹ።

ኣብ ሰለስቲአን ንኡሳን ዞባታት ብዝተተግበረ ኮም ዘማእከለ መደባት ከባቢያዊ ጽሬት፡ 30 ሽሕ ስድራ-ቤታት ተጠቀምቲ ሽታ-ኣልቦ ዓይኒ-ምድሪ ኮይነን
ምህላወን ዝጠቐሰ ኣቶ ነጸርኣብ፡ መደባት ኮም ዘማእከለ ከባቢያዊ ጽሬት፡ ክሳብ ምዝዛም 2022 ተጻፊፉ – ብደረጃ ሃገር ክእወጅ መደብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣሃዱ ከባቢያዊ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ኣብ 2021 ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ዝርከባ 13 ንኡሳን ዞባታት፡ ዳህሳስ ምዝገባ ተጠቃምነት ዓይኒ-ምድሪ ከምዘካየደ
ዝዝከር እዩ።

Categories