ኣብ ዞባ ዓንሰባ – ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ፣ ኣብ ኣብ ሃበሮ፡ ኣራዕታ፡ ማ/ደንካልያን ዓረዛን ምርጫታት ኣመሓደርቲ ከባቢ ተኻዪዱ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – ኣብ ንኡሳን ዞባታት ኣራዕታን ማእከል ደንካልያን፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ድማ – ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ናይ ስራሕ ግዜኦም ዘእከሉ ንምትካእ፡ ናይ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ኣነባበርቲ ዓድን ምርጫታት ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ናይ ሃበሮ ምርጫ፡ ሽድሽተ ነባራት ኣመሓደርቲ፡ ጽፈትን ስሉጥነትን ስርሖም ኣብ ግምት ብምእታው ዳግማይ ክምረጹ እንከለዉ፡ ሽዱሽተ ደቂ-ኣንስትዮ ኣካየድቲ ስራሕ ከምእተመርጻ ተፈሊጡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሃበሮ ኣቶ ፍትዊ ገብረመስቀል፡ ካብ ትሕተ-ሃገራዊ ኣተሓሳስባታት ሓራ ኮይኖም፡ ህዝቦም ብብቕዓት ከመሓድሩን ኣብ መደባት ልምዓት ድርኺት ክፈጥሩን ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣራዕታ ኣቶ ሃብተኣብ ገብረኣብን ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ማእከል ደንካልያ ኣቶ ኣደም ዓብደላን ድማ፡ ህዝቢ ንዘርኣዮ ንቑሕ ተሳትፎ ብምምጓስ፡ ኣብ ኩሉ መደባት ተመሳሳሊ ሱታፌ ክንጸባርቕ ተላብዮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ 22 ምምሕዳራት ከባቢ ኣብ ዝተሳለጠ ምርጫ፡ 42 ኣመሓደርትን ኣካየድቲ ስራሕን፣ ከምኡ’ውን ኣብ 106 ዓድታት 318 ኣነባበርትን 212 ኣከብቲ ግብርን ተመሪጾም ኣለዉ።

Categories