ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሩስያ ኣገዳሲት መሻርኽቲ ኣፍሪቃ ብምዃን፡ ንምዕባለ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዓቢ ኣበርክቶ ክትገብር ከምእትኽእል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነዚ ዝገለጸ፡ ትማሊ 7 ለካቲት ኣጋ ምሸት፡ ኣብ ባጽዕ ንፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ፑቲን – ሚስተር ባግዳኖፍ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ እዩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ፑቲን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣረኪቡ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣስዒቡ፡ እዚ ምብጻሕ እዚ፡ ሩስያ ምስ ኤርትራ ኩለንትናዊ ምትሕብባር ክትገብር ቅርብቲ ከምዘላ ዘረጋግጽ ምዃኑ ገሊጹ።

እዚ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ፍሉይ ልኡኽ ሩስያን ዝተገብረ ዝርርብ፡ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት፡ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተመርኰሰ፣ ናይ ወጻኢ ምትእትታውን ዘይሕጋዊ እገዳታትን ዝነጽግ ሓባራዊ መርገጺ ከምዘለወን ዘግሃደ እዩ።

Categories