ትማሊ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 12 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ 8 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ጎዳይፍ፡ ቊሸት፡ መንደፈራ፡ ዓዲ-ዃላን ዓዲ-ቐይሕን፣ ከምኡ’ውን 4 ካብ መወሸቢ ማእከል ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 10 ካብ ዞባ ማእከል፡ 2 ድማ ካብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ብጠቕላላ 12 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,631 በጺሑ ኣሎ። 9,363 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 100 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 168 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 05 ለካቲት 2022

Categories