ሕርሻታት ተምሪ፡ ኣብ ዞባታት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ጽቡቕ ገስጋስ የርኢ ከምዘሎ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ገሊጹ።

ዝነበረ ሃጓፋት ብምትዕርራይን ብመንገዲ ቲሹ ካልቸር ፈልሲታት ብምዕዳልን ክሰላሰል ብዝጸንሐ ዕማም፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ክልቲኡ ዞባታት ዝተተኽለ ኣግራብ፡ ልዕሊ 20 ሽሕ በጺሑ ከምዘሎን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብን፡ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ ዳንኤል ተኸስተ፡ ኣብ 1996 ብክልተ ሓረስቶት ዝጀመረ ሕርሻ ተምሪ፡ ካብ 2016 ንደሓር ብዝተወደበን
ዝተወሃሃደን ኣገባብ ከምእተሰርሓሉ፡ ናብ ንኡሳን ዞባታት ጊንዳዕ፡ ሽዕብ፡ ኣፍዓበት፡ ፎሮን ባጽዕን ብምስፋሕ ድማ፡ ብመንገዲ ንግዳውያን ሓረስቶት፡ መንግስታውያን ትካላትን ውልቀ-ሰባትን፡ ኣስታት 12 ሽሕ ኣግራብ ተምሪ ለሚዑ ምህላዉ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ እውን፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓሰብ፡ ደቡብ ደንካልያ፡ ማእከል ደንካልያን ኣራዕታን ልዕሊ 8,800 ኣግራብ ከምእተዘርግሐን ኣስታት 200 ሓረስቶት ኣብ ሕርሻ ተምሪ
ይነጥፉ ከምዘለዉን ሓላፊ ክፍሊ ልምዓት ብቚሊ ኣቶ መሓመድ ዓብዱራሕማን ሓቢሩ።

ኣልማዕቲ ብወገኖም፡ ሕርሻ ተምሪ ኣዝዩ ተስፋ ስለዘለዎ ሓረስቶት ብብዝሒ ክስዕብዎ ብምልባው፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ስልጠናታት ክደፍእ ኣዘኻኺሮም።

Categories