ብ6 ለካቲት ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተጋብአ መበል 35 ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ንዝውሰንን ዝውሰድን በይናዊ እገዳታትን ኣስገዳዲ ስጒምቲታትን፡
ብትሪ ኰኒኑ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ዘውጸኦ ደምዳሚ መግለጺ፡ በይናዊ እገዳታትን ኣስገዳዲ ስጒምቲታትን፡ ንኣህጉራዊ ሕጊ፡ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ሕጊ፡ ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን መትከላት ሕብረት ኣፍሪቃን ዝጻረር፣ ከምኡ’ውን ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ናይ’ተን ሃገራት ዝብሕጉግን ንማሕበረ-ቊጠባዊ ቅልውላዋት ዘቃልዐንን ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ክለዓል ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ መግለጺ ኣብ ዓንቀጽ 6፡ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰንዎ በይናዊ እገዳታትን ኣስገዳዲ ስጒምቲታትን ከልዕሉ ተማሕጺኑ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ልዕሊ ዚምባብወን ደቡብ ሱዳንን ጸኒዑ ዘሎ እገዳታት እውን ክለዓል ጸዊዑ።

መግለጺ መበል 35 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ህዝብታት ኤርትራ፡ ዚምባብወን ደቡብ ሱዳንንን፡ ልኡላዊ መሰላቶም ንምጥቃምን መጻኢኦም ንምውሳንን ንዝገብርዎ ቃልሲ፡ ምሕዝነቱ ገሊጹ።

ኣብ መበል 35 ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣፍሪቃ ዝርአ ዘሎ ግጭታት፡ መርኣያ ናይ’ቲ ምዕራባውያን ሓይልታት ንምዕባለታት ብዓይኒ ረብሓታቶም ንምቕራጽ ዘካይድዎ ዘለዉ ተግባራት ምትእትታው ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ ቁመናን ዝናን ኣፍሪቃ፡ ምስ ዕቑር ዓቕሚታታ ከምዝዳረግ ንምርግጋጽን ኣፍሪቃ ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታኣ ንኽትሕዝን፡ ውሁድ ክፍለ-ዓለማዊ ስትራተጂ ምርቃቕ ከምዘድሊ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።

Categories