ኣባል ፖሊስ ኤርትራ ገዲም ተጋዳላይ – ኮሎኔል ሓሰን ኢብራሂም ዑመር፡ ብ1 ለካቲት፡ ኣብ መበል 66 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ሓሰን፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ክፍሊ ሓለዋ ሰውራ ክሳብ ብደረጃ ሓላፊ ጨንፈር፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ክሳብ ብደረጃ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ኮሎኔል ሓሰን ኢብራሂም፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓሙሽተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 3 ለካቲት ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ፖሊስ ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ኮሎኔል ሓሰን ኢብራሂም ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories