ሚኒስትሪ ትምህርቲ ምስ መሻርኽቱ ብምዃን ኣብ ኣቚርደት ዝኸፈቶ ‘ማእከል መሰልጠኒ መባእታዊ ሞያታት’፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ኣብ ዝጀመሮ ቀዳማይ እብረ መደቡ፡ ብዝተፈላለየ ሞያታት ን8 ኣዋርሕ ዘሰልጠኖም 163 መንእሰያት ኣመሪቑ።

ብ15 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኣቶ ሰመረ ርእሶም – ሰልጠንቲ ንዘዳለውዎ ምርኢት ድሕሪ ምኽፋት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ወዲ-ሰብ ብህይወት ክሳብ ዘሎ ብትምህርቲ ክህነጽን ክሃንጽን ከምዝግባእ ብምዝኽኻር፡ ብስሩዕ ትምህርቲ ክስጒሙ ዘይከኣሉ ኣካላት ሕብረተ-ሰብ፡ ብሞያዊ ትምህርቲ ተደጊፎም ኣፍራይነቶም ንከዕዝዙ ብዕቱብ ይስራሓሉ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ርእሰ-መምህር ናይ’ቲ ማእከል – መምህር ዑስማን ዓብዱ፡ ሰልጠንቲ ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 35 ዓመት ዝርከቡን ክሳብ 8ይ ክፍሊ ዝበጽሑን ምዃኖምን፡ ናይ ማእለማ፡ ስርሓት ካይላ፡ ልምዓት መስኖ፡ ጽገና ኤለክትሮኒክስን ኤለክትሪክን ሞያታት ከምዝቐሰሙን ገሊጹ።

ሓላፊ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ መምህር ዓብደላ ዑመር ካራም ድማ፡ ቀዳማይ እብረ ስራሑ ብዓወት ፈጺሙ ዘሎ ሞያዊ መሰልጠኒ ማእከል፡ ንዝያዳ ኣድማዕነቱ ዘለዎ ሕጽረታት ክማልኣሉ ተማሕጺኑ።

ካብ መሻርኽቲ ኣካላት፡ ወኪል ኖርወጃዊ ትካል ‘NRC’ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ – ሚስተር ደደክ ማሊለ ብወገኑ፡ እቲ መደብ – ተጠቀምቲ ቊጠባዊ ምንጮም ዘውሕሱሉን ኣብ መደባት ህንጸት ሃገሮም ኣበርክቶኦም ዘዕዝዙሉን ምዃኑ ብግብሪ ከምእተዓዘበ ብምሕባር፡ ንዝያዳ ምዕባለኡ ኣበርክቶኦም ክብ ከምዘብሉ ኣረጋጊጹ።

ተመሳሰልቲ ማእከላት ስልጠና መባእታዊ ሞያታት፡ ኣብ ባጽዕን ከረንን ቈይመን ምህላወን ተፈሊጡ።

Categories