ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ብመገዲ ክፍሊ ኣገልግሎት ሕጋጋትን ቁጽጽርን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ቁጽጽር ሃብቲ ብቚሊ ኣተባባዒ ንጥፈታት ከምዘሰላሰለ ሓቢሩ።

እቲ ክፍሊ ካብ 2003 ኣትሒዙ ኣብ ቁጽጽር ውሸባ ብቚሊ፡ ሕርሻዊ ከሚካላትን ብቕዓትን ድሕነትን ዘርኢን ሰፋሕቲ ንጥፈታት ከምዘሰላሰለ፡ ሓላፊ ጨንፈር ቁጽጽር ሃብቲ ብቚሊ ኣቶ ስዒድ ኑረዲን ገሊጹ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ኣብ ህይወት ሰብን እንስሳን ከምኡ’ውን ኣብ ኣከባቢ ሓደገኛ ሳዕቤናት ከውርድ ዝኽእል ዝነበረ፡ ካብ እዋን መግዛእቲ ጀሚሩ ኣብ መላእ ሃገር ተኸዚኑ ዝጸንሐ ኣስታት 400 ቶን ናይ ተጠቃምነት ዕለቱ ዝወደቐ ጸረባልዕ መድሃኒታትን ናውትን ብውሑስ መገዲ ከምዝወገነ፣ እቲ 365 ቶን ካብ’ዚ፡ ኣህጉራዊ ደረጃን ኣገባብን ብዝሓለወ መገዲ ናብ ዓዲእንግሊዝ ብምልኣኽ ከምዝህሞኽ ከምእተገብረ፣ እቲ ናይ ምእካብን ምውጋንን መስርሕ ድማ ገና ይቕጽል ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ግቡእ ምሕደራን ኣጠቓቕማን ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ንምዕባይ’ውን ሰፊሕ ጐስጓሳትን ግብራዊ ስልጠናታትን ከምእተዋህበ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ ኣብ ወፍርታት መኸተ ኣንበጣ፡ ክኢላታት፡ ሓረስቶትን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ድሕነቶምን ድሕነት ኣከባብን ንኽሕልዉ፡ ኣስተምህሮታትን ቁጽጽር ድሕነትን ዘጠቓልል ንጥፈታት ከምእተሰላሰለ ሓቢሩ።

ብሰንኪ ተጠቃምነት ጸረ-ባልዕ ከጋጥም ዝኽእል ብከላ ሕርሻዊ ፍርያት ብሓፈሻ፡ ብከላ ኣሕምልትን ፍረታትን ድማ ብፍላይ ንምቁጽጻር’ውን ሰፊሕ ናይ ድሕነትን ምውጋንን ንጥፈታት ከምእተኻየደ ዝገለጸ ኣቶ ስዒድ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ዝተወገነ ብመድሃኒት ጸረ-ባልዕ ዝተበከለ ልዕሊ 860 ኩንታል ከም ኣብነት ጠቒሱ።

ኣቶ ስዒድ፡ ብሕርሻዊ ምርምር ዝሓለፉ ምሩጻት ዘራእቲ፡ ቅድሚ ናብ ተጠቀምቲ ሓረስቶት ምዝርግሖም ግቡእ ናይ ብቕዓት ቁጽጽር ከምዝካየደሎም፣ ናብ ሓረስቶት ምስ ተዘርግሑ’ውን ብቕዓቶም ዓቂቦም ይኸዱ ምህላዎም ንምርግጋጽ፡ ዓመታዊ ቁጽጽር ከምዝካየድ ብምሕባር፡ ብቚልን ውጽኢቶምን ከምኡ’ውን ባልዓትን ሕማማትን ናብ ሃገር ከይኣትዉ፡ ኣብ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ግቡእ ቁጽጽር ከምዝካየድ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድማ ውጽኢታዊ እናዀነ ይመጽእ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

Categories