ኣባል ሚኒስትሪ ሕርሻ ገዲም ተጋዳላይ ኣስመሮም ኣስፍሃ ሰለሙን፡ ብ17 ሚያዝያ ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1975 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ኣስመሮም ኣስፍሃ፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ክፍሊ ሕርሻ፡ ክፍሊ መጓዓዝያን ኮሚሽን ህንጻን ሕርሻን፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ተመዲቡ፡ ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ ኣስመሮም ኣስፍሃ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 7 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ ብ17 ሚያዝያ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ሕርሻ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳላይ ኣስመሮም ኣስፍሃ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መጋድልቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories