ኣብ ዞባ ማእከል ብሓፈሻ፡ ኣብ ገጠራዊ ክፋል ናይ’ቲ ዞባ ዝነብር ህዝቢ ድማ ብፍላይ፡ ፕሮጀክትታት ማዩ ብኽንክን ክሕዝን ማይ ከንቱ ከይባኽን ምክትታሉ ከሐይልን፡ ጨንፈር ሃብቲ ማይ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ግርማይ ተኽለኣብ፡ ኣብ 86 ዓድታት ዝተዋደደ 166 ፕሮጀክታት ዝስተ ማይ ከምዘሎ ብምምልካት፡ ነበርቲ ነቲ ፕሮጀክትታት ብኮሚተታት ከመሓድርዎን ዝባኽን ማይ ከይህሉ ብዕቱብ ክሕልውዎን ተላብዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሰረጀቓ፡ በሪኽን ጋላነፍሒን ኣገልግሎት ኣቋሪጸን ዝጸንሓ መዐደሊ ማይ ዓድታት ወኪ፡ ዓዲ-ሸኻ፡ ዓዲ-ጸናፍ፡ ዓዲ-ኣሕደሮም፡ ዝግብን ዓዲ ያዕቆብን ከምእተጸገና፣ ከምኡ’ውን ልዕሊ 4 ኪሎ-ሜተር ሻምብቆታት ማይ ብሓድሽ ተተኪኡ ንኣገልግሎት ከምዝበቕዐ ገሊጹ።

ሓደ-ሓደ ዓድታት ብሰንኪ ምንጻፍ ምንጪታት ማይ፡ ጽሬቱ ዘይተሓለወ ማይ ክሰትያ ተገዲደን ከምዘለዋ ዝሓበረ ኣቶ ግርማይ፡ ነዚ ጸገም’ዚ ንምቅላል፡ ዓድታት ትሕዝቶ ምንጪታት ማይ ምውሓስ፡ ማይ-ክዖታት፡ ራህያታት፡ ሓጽብታትን ዲጋታትን ክፍውሳ ኣተሓሳሲቡ።

ኣቶ ግርማይ፡ ኣብ ጉሪታት – ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ዝህነጽ ዘሎ ሓድሽ ፕሮጀክት ማይ ምዝዛም፣ ኣብ ዓድታት ጻዕዳክርስትያን፡ ጸዓዘጋ፡ ዓዲ-መርዓዊ፡ ዓዲሽማግለ፡ ሹምዱብሉቕን ላምዛን መጽናዕቲ
ትሕዝቶ ማይ ምክያድ፣ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ክትግበር ካብ ዝተታሕዘ መደባት ምዃኑ ሓቢሩ።

Categories