ትማሊ ኣብ መመርመሪን መወሸብን ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 21 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም፡ 13 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ማእከል ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም – ማእከል-ከተማ፡ ሰምበል፡ ቲራቮሎ፡ ገዛ-ባንዳ፡ ሕምብርትን ሰንዓፈን፣ 4 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት ሓሓደ ካብ መንደፈራ፡ ዓረዛ፡ ድባርዋን እምኒ-ሓይልን፣ ከምኡ’ውን 4 ካብ መወሸቢ ማእከላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ማለት 3 ካብ ባጽዕ፡ ሓደ ድማ ካብ ናቕፋ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 22 ካብ ዞባ ማእከል፡ 2 ድማ ካብ ዞባ ደቡብ፡ ብጠቕላላ 24 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 9,601 በጺሑ ኣሎ።

9,323 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 99 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 179 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 03 ለካቲት 2022

Categories