ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ከምኡ’ውን ኣብ ፓሪስን ከባቢኣን – ፈረንሳ ዝነበሩ ዜጋታት፡ ንመኸተ ልምዓትን መናብዪ ስድራ-ስዉኣትን ዝውዕል ልዕሊ 113 ሽሕ ፓውንድን ኣስታት 3 ሽሕ ዩሮን ኣበርኪቶም።

እቲ ንመኸተን ልምዓትን ዝተወፈየ 113,335 ፓውንድኰይኑ – ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ለንደንን ኣባላት ቤት-ጽሕፈት ኤምባሲን 75,500፣ ተቐማጦ ከተማ ሊድስ 17,505፣ ከተማ በርሚንግሃም 11,600፣ ከተማ ኮቨንትሪ 5,250፣ ከተማ ኒውካስል ድማ 3,420 ዘወፈይዎ ምዃኑ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ዓባይ ብሪጣንን ኣየርላንድን ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ፓሪስን ከባቢኣን – ፈረንሳ፡ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ 2021 ዘዋጽእዎ 2,935 ዩሮ፡ ንመናበዪ ስድራ-ስዉኣት ወፍዮምዎ።

Categories