ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት፡ ኣብ መስመር ፎሮ – ኡምለ ኣገልግሎት ምጅማሩ፡ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወቶም ርግኣት ከምዝፈጠረ፡ ነበርቲ ዓድታት ኡምለ፡ ሰርደ፡ ዑመርቃብረ፡ ጊርጋሮ፡ ድንጉለን ማይላ-ካሶን ገሊጾም።

ኣቐዲሞም፡ ካብ ዓድታቶም ናብ ፎሮ ንምጒዓዝ ከቢድ ሃልኪ ከምዝነበሮም ዝጠቐሱ ዜጋታት፡ ኩባንያ መጓዓዝያ ሓራት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ካብ ፎሮ ናብ ኡምለ መስመር ብምኽፋቱ – ብ29 ናቕፋ ስሉጥን ርትዓውን ኣገልግሎት ይረኽቡ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎሮ ኣቶ ዑስማን ዓረፋ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ደናንሎ፡ ማልካን ኣይሮማለን በብእዋኑ ዝተዋደደ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ምጥርናፍ ዓድታት ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበረ፣ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ድማ – ነዚ ንቕድሚት ዝደፍእ ምዃኑ ኣስሚሩ። ጉዳይ ምንጪታት ቀረብ ማይን ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲን እውን ክሕሰበሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories