ትማሊ ኣብ መመርመሪ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብ፡ ዓንሰባን ጋሽ-ባርካን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 34 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

ንሳቶም ድማ፡ 17 ካብ ዞባ ማእከል – ማለት 2 ካብ መወሸቢ ማእከላት፡ 15 ድማ ካብ መመርመሪ ማእከላት ኰይኖም፡ ኣድራሻኦም 3 ካብ እምባጋልያኖ፡ ሓሓደ ከኣ ካብ ቲራቮሎ፡ ጸሎት፡ ማይተመናይ፡ ሰላዕዳዕሮ፡ ዓዲ-ጓዕዳድ፡ ማእከል-ከተማ፡ መዓስከር ደንደን፡ ፓራዲዞ፡ እንዳ-ቦንድ፡ ቪላጆ፡ መንደፈራን ሻምብቆን፣ 9 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ደቡብ – ማለት 7 ካብ መንደፈራ፡ 2 ካብ ድባርዋ፣ ከምኡ’ውን 7 ካብ መመርመሪ ማእከላት ዞባ ዓንሰባ – ማለት 3 ካብ ከረን፡ 2 ካብ ዒላበርዕድ፡ 2 ካብ ዓዲተከሌዛን፣ ሓደ ድማ ካብ መመርመሪ ማእከል ባረንቱ – ዞባ ጋሽ-ባርካ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኮሮና ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 17 ካብ ዞባ ማእከልን 3 ካብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን – ብጠቕላላ 20 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ ከለዉ፡ ወዲ 87 ዓመት ኣቦ ካብ ዞባ ማእከል ብሞት ተፈልዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት፡ ክሳብ ትማሊ 7982 በጺሑ ኣሎ። 7731 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 75 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 176 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 30 ታሕሳስ 2021

Categories