ኣብ ዞባ ማእከል – ንኡስ ዞባ ፓራዲዞ እትርከብ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዓዲ-ኣቤቶ፡ ንብሉጻት መማህራናን ተመሃሮኣን ኣተባቢዓ።

ብ29 ታሕሳስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ርእሰ-መምህር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ምስጉን ሰልጠነ፡ ኣብ ዓመተትምህርቲ 2020/2021 ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ካብ ዝተሳተፉ ተመሃሮ 96.5 ሚእታዊት ከምዝሓለፉ፡ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ካብኣቶም ድማ ደቂ-ኣንስትዮ ምንባረን ሓቢሩ።

በዚ መሰረት፡ እቲ ዝተዋህበ መተባብዒ፡ ነቶም ልዕሊ 90 ነጥቢ ዘምጽኡ ተመሃሮ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ መማህራን ምዃኑ፡ መምህር ምስጉን ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ መተባብዒ፡ ኪኖ ተሸለምቲ ዝኸይድ መልእኽቲ ከምዘለዎ ዝጠቐሰ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ማእከል መምህር ተስፋይ ተኸስተ፡ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤት-ትምህርቲ ዓዲ-ኣቤቶ፡ ዓሚ ኣብ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ ብሉጽ ነጥቢ ካብ ዘመዝገባ 10 ኣብያተ-ትምህርቲ ዞባ ማእከል ሓንቲ ምዃና ብምሕባር፡ ንተመሃሮ፡ ወለድን መማህራንን “ዮሃና” ኢሉ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ፓራዲዞ ወ/ሮ ስቶም ሰይድ ድማ፡ ንሽልማት ዝበቕዑ ተመሃሮን መማህራንን፡ ደረጃኦም ክዕቅቡን ናብ ዝበረኸ ዓወት እናማዕደዉ ጻዕሮም ክቕጽሉን ኣዘኻኺራ።

Categories