ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ገረሚ – ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኑ ዝጸንሐ፡ ካብ ቀንዲ መስመር ኣስመራከረን ናብ’ቲ ከባቢ ዝኣቱ 4 ኪሎ-ሜተር ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ብኣድማዒ ኮማዊ ተሳትፎ ተጸጊኑ።

እቲ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣሉታዊ ጽልዋ ፈጢሩ ዝጸንሐ ናይ ሓመድ ጽርግያ፡ ጉልበታውን ገንዘባውን ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶም ብዝወሰድዎ ተበግሶ ከምእተጸገነ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ጴጥሮስ ዓንደማርያ ንኤሪና ሓቢሩ።

እቲ መስመር፡ ካብ’ቲ ዝነበሮ ከም ዝገፍሐን ውሕጅ ዝሓልፈሉ መስመራት ከም እተመሓየሸን ዝገለጸ ኣቶ ጴጥሮስ፡ ንምምልላስ ተሽከርከርቲ ምቹእ ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ህዝቢ ንዝወሰዶ ተበግሶ ዘመጐሰ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ኣቶ ክፍለማርያም ገብረመስቀል፡ ኩባንያ መጐዓዝያ ሓራት ኣብ’ቲ መስመር ኣገልግሎት እትህብ ኣውቶቡስ ክምድብ ኣዘኻኺሩ።

Categories