ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዝሓለፈ 17 ዓመታት ልዕሊ 307 ሚልዮን ናቕፋ ደበስ ንስድራ-ስዉኣት ከምእተኸፍለ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ናይ’ቲ ዞባ ገሊጹ።

ወኪል’ቲ ጨንፈር ኣቶ እስማዒል ዑስማን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ብስሩዕ ዝኸፈሎ ደበስ፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ዜጋታት ብዝወሰድዎ ስድራ-ስዉኣት ናይ ምእላይ ሓላፍነት፡ ልዕሊ 9 ሚልዮንን 575 ሽሕን ናቕፋ ደገፍ ከምዝገበሩ ሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ባጽዕ፡ ጊንዳዕ፡ ኣፍዓበት፡ ናቕፋን ገልዓሎን ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መንግስትን ሰብ ጸጋ ዜጋታትን፡ ካብ 2019 ጀሚሮም ስድራ-ስዉኣት ናይ ምሕብሓብ ተበግሶን ሓላፍነትን ከምዝወሰዱ፡ ክሳብ ሕጂ ድማ ልዕሊ 1 ሚልዮንን 170 ሽሕን ናቕፋ ከምዘበርከቱ፣ ንስድራስዉኣት ናይ ሕክምና፡ ትምህርትን ካልእን ደገፋት ዝገብሩ’ውን ከምዘለዉ፣ ኣብ’ተን ዝተረፋ ንኡሳን ዞባታት ተመሳሳሊ ንጥፈታት ተጀማሚሩ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ኣቶ እስማዒል ዑስማን፡ ጽጉማት ስድራ-ስዉኣት መነባብሮኦም ክመሓየሽ – ዜጋታት ከም ወትሩ እጃሞም ከበርክቱ ተላብዩ።

Categories