ኣብ ከተማ ዓሰብ፡ ብህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ወፈራዊ ጽሬት ይሰላሰል ኣሎ።

እቲ ወፈራ፡ ኣብ ቀንዲ ጎደናታትን ካልእ ከባቢታትን ብስሩዕ ይካየድ ከምዘሎ ዝጠቐሰ፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዓሰብ ሓላፊ ቁጠባዊ ልምዓት – ኣቶ ንጉሰ ፍካረ፡ ኣብ ወሰናስንን ማእከልን ከተማ ዓሰብ ብብዝሒ ዝርከብ ገረብ ተምሪ ሙሳ እውን ይእለ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቶ ንጉሰ፡ ህዝቢ ብብዝሒ ኣብ ዝነብረሎም ከምኡ’ውን ኣብ ናይ ዕዳጋ ቦታታትን ገማግም ባሕሪን፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይኖም ዝጸንሑ ኣጋንእ፡ ተጸጊኖምን ሓደስቲ ተወሲኾምን ስለዘለዉ፡ ርስሓት ካብ ኣጋንእ ወጻኢ ከይጐሓፍ ንተገልገልቲ ኣዘኻኺሩ።

ስታፍ ምምሕዳር እዚ ምብራቕ፡ እቲ ስራሕ ብዓወት ንኽፍጸም ዘድሊ መሳርሒታትን መሳለጥያታትን ክማላእ ተላብዩ ኣሎ።

Categories