ኤርትራውያን ነበርቲ ሪፓብሊክ ደቡብ-ሱዳን፡ ኣብ ሓምሻይ እብረ ወፈያታቶም ንመኸተ ‘ኮቪድ-19’፡ 90,975 ዶላር ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን 16 ሚልዮንን 753 ሽሕን ፓውንድ ደቡብ ሱዳን ኣበርኪቶም።

ብመሰረት ካብ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ደቡብ-ሱዳን ዝበጽሓና ሓበሬታ፡ ኣብ’ዚ ሓምሻይ እብረ፡ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት 71,825 ዶላርን 16 ሚልዮንን 753 ሽሕን ፓውንድን፣ ወነንቲ “እማሃ ጀነራል ኮንስትራክሽን ኤንድ ትረዲንግ ካምፓኒ” 3 ሽሕ ዶላር፣ ወነንቲ ንኣሽቱ ሆቴላት፡ ጋራጃት፡ ክሊኒካት፡ ፋርማሲታትን ካልኦት ትካላትን ድማ 16,150 ዶላር ኣመሪካ ወፍዮም ኣለዉ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ-ሱዳን፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ እብረታት፡ ብድምር 589,990 ዶላር ኣመሪካ፡ ከምኡ’ውን 6 ሚልዮንን 525 ሽሕን 800 ፓውንድ ደቡብ ሱዳን ከምዘወፈዩ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

ብኻልእ ወገን፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ሃገረ ቐጠር፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ብውሱን ተሳትፎ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ ናብ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት 1,996 ሪያል ከምዘወፈዩ፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኣ’ደውሓ ሓቢሩ።

Categories