ኣብ ዞባ ማእከል፡ ዓቕሚ ሓረስቶት ብምብራኽ እቶታውነት ንምድንፋዕ ብዙሕ ስራሕ ከምእተሰላሰለ፡ ወኪል ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ኣስራት ሃይለ ገሊጹ።

እቲ ክፍሊ፡ ንሓረስቶት ስልጠናታት ኣብ ምሃብ፡ ማይን ሓመድን ኣብ ምዕቃብ፡ መደባት ምግራብ ኣብ ምስልሳል፡ ምሩጽ ዘርኢ ኣእካልን ኣሕምልትን ኣብ ምብዛሕን ምትእትታውን፡ ሃብቲ እንስሳ ኣብ ምስሳን – ኣተኲሩ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ፣ ድዅዒ፡ መድሃኒት፡ ትራክተራትን ምሩጽ ዘርእን ስለዝተቐረበ ድማ፡ ምስ’ቲ ዝወሰድዎ ስልጠናታት ተደሚሩ፡ ኣብ እቶቶም ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተመዝገበ ኣረዲኡ።

ልዕሊ 18 ሽሕ ሄክታር ከምእተዛለየ፣ ኣስታት 29 ሽሕ ሜተር ኲዩብ ከትርታት ብእምኒ ከምእተሰርሐ፣ ኣብ 11 ሽሕ ሄክታር 42 ሚልዮን ፈልሲታት ኣግራብ ከምእተተኽለ፣ ብርሰት ኣግራብ ንምኽልኻል እውን ልዕሊ 48 ሽሕ ሞጐጎ ኣድሓነት ተሰሪሑ ኣብ ኣገልግሎት ከምዝወዓለ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ማእከል ካብ ዘሎ 33 ሽሕ ሄክታር መሬት፡ እቲ 26 ሽሕ ሄክታር ከምዝዝራእ ዝገለጸ ኣቶ ኣስራት፡ ኣብነታውያን ሓረስቶት – ምሩጽ ዘርኢን ባህሪያዊ ድዅዒ ኮምፖስትን ተጠቒሞም ብዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ካብ ሓደ ሄክታር 10 ኩንታል ዝረኽቡ ዝነበሩ፡ ካብ 60 ክሳብ 70 ኩንታል ክሓፍሱ ምብቅዖም ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ማእከል፡ 49 ዓድታት መሬት ጤሳ ከምዝተዓደላ፣ 11,371 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 33,886 ዜጋታት መሬት ከምዝረኸቡ፡ ሰነዳት ክፍሊ ሕርሻን መሬትን የረድኡ።

Categories