ብ29 ሰነ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ሻምብቆን ሞልቊን ዝወቕዐ ህቦብላን በረድን ዝተሓወሶ ብርቱዕ ዝናብ፡ ኣብ ኣባይቲ፡ ጥሪትን ሃብቲ ገረብን ጉድኣት ኣውሪዱ።

በቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ – ምምሕዳር ከባቢ ብሹኳ፡ ዚንጎታት 8 መምሃሪ ክፍልታትን 4 ኣብያተ-ጽሕፈትን ቤት-ትምህርቲ ከም እተቐንጠጠ፣ ቀጽሪ’ታ ቤት-ትምህርቲ ብኸፊል ከምዝፈረሰ፡ ከምኡ’ውን ብርክት ዝበለ ኣጓዱን ኣግራብን ከምዝዓነወ ቤት-ጽሕፈት ምምሕዳር ናይ’ቲ ከባቢ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣዕኑድ ኤለክትሪክ እውን ጉድኣት ስለዝወረደ፡ ኣብ ቢንቢና፡ ሻምብቆን ብሹኳን ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ከምእተቛረጸ፡ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ገሊጹ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሞልቊ – ምምሕዳር ከባቢ ትኹል ብዝወቕዐ ህቦብላን በረድን ዝተሓወሶ ዝናብ፡ 12 ከብቲ ብውሕጅ ክውሰዳ እንከለዋ፡ ኣብ 125 ሄክታር በቚሉ ዝነበረ ዘራእቲ ከም እተደምሰሰ፡ ዚንጎ ክልተ መምሃሪ ክፍልታት ከም እተቐንጠጠን ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ኣግራብ ከምዝወደቑን፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories