ትማሊ 2 ሓምለ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 23 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዚኣቶም፡ 20 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 2 ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ ሓደ ድማ ኣብ ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 50 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 13 ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ 11 ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ሓደ ድማ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – 75 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ትማሊ 6051 በጺሑ ኣሎ። 5,634 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 25 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 392 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 02 ሓምለ 2021

Categories