ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ልምዓት ጀራዲን ብዓይነትን መጠን ምህርትን ዘተባብዕ ምዕባለ የመዝግብ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ቁጠባዊ ልምዓት’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዕቚባይ ገብረኣምላኽ ገሊጹ።

ኣብ ገማግም ሩባ ሳዋ፡ ኣብ ኣስታት 1,600 ሄክታር ብመስኖኣዊ ኣገባብ ዝለምዐ – 200 ናይ ኣሕምልትን ፍረታትን ጀራዲን ከምዘሎ፣ ኣልማዕቲ ብዘካይድዎ ጻዕሪ፡ ዓመታዊ ካብ 300 ክሳብ 350 ሽሕ ኩንታል ምህርቲ ይርከብ ምህላዉ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ዝውቱራት ዘይነበሩ፡ ከም ጣፍ፡ ዓተር፡ ስርናይ፡ ኣዳጉራ፡ ጻዕዳሽጉርትን ድንሽን ተኣታትዮም ጽቡቕ እቶት ይሕፈሶም ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ እቲ ከባቢ ብፍርያት ሽጉርቲ ነብሱ ክኢሉ፡ ንካልእ ዕዳጋታት ኣብ ዘቋምተሉ ደረጃ ከምዝበጽሐ ኣብሪሁ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ኣቶ ኣቡበከር ማሕሙድ፡ እቲ ጀራዲን፡ ጠለብ ዕዳጋታት ናይ’ቲ ከባቢ ኣብ ርእሲ ምምልኡ፡ ናይ ሽቕለት ዕድላት እውን ፈጢሩ ብምህላዉ፡ ብዝያዳ ንምስፋሑ፡ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ኣበርክቶ ከምዝገብር ኣረጋጊጹ።

Categories