ትማሊ 29 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከልን ደቡብን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 52 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዚኣቶም፡ 49 ኣብ ኣስመራ፣ 3 ድማ ኣብ መንደፈራ – ዞባ ደቡብ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 36 ኣብ ዞባ ደቡብ፡ 29 ኣብ ዞባ ማእከል – 65 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 42 ዓመት ካብ ዞባ ደቡብ ብሞት ተፈልዩ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ትማሊ 5,936 በጺሑ ኣሎ። 5,435 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 23 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 478 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 29 ሰነ 2021

Categories