ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ – ምምሕዳር ከባቢ ግዝግዛ፡ ነበርቲ ዓስተሩ ጥብ ዝበለት ማይ ንምዕቃብን መሬቶም ንምርጋእን፡ ሰፊሕ ወፈራዊ ስራሓት የካይዱ ኣለዉ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ዝቕጽል ዘሎ ስራሕ፡ ምድልዳል መሬት ሕርሻ፡ ምጅራፍ፡ ምዝላይን ምስራሕ ከትርታትን የጠቓልል።

ዛጊት፡ ናይ ልዕሊ 150 ሓረስቶት መሬት ሕርሻ ክዛለን ክጅረፍን እንከሎ፡ 1,500 ሜተር ጀሪፍን 18 ሽሕ ሜተር ቅናታዊ ዛላን ተሰሪሑ።

ህዝቢ ብብዝሒ ዝጥቀመሉ ሜላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ጀሪፍ ምዃኑ ዝሓበረ፡ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ግዝግዛ ኣቶ መሓመድ-እድሪስ ኣሕመድ፡ በዚ መዳይ’ዚ ኣድማዒ ስራሕ ይዕመም ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ዞባ፡ ብልዑል ሱታፌ ህዝብን ሰራዊትን ዝሰላሰል ዘሎ ስራሓት ምጽጋንን ምትዕርራይን ካልኣይ ደረጃ ጽርግያታት፡ ጽቡቕ ውጽኢት ይረኣዮ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ነበርቲ ኣገዳስነቱ ልዑል ምዃኑ ዝሓበረ፡ ኣብ ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ሓላፊ ጨንፈር ካልኣይ ደረጃ ጽርግያታት ኣቶ ሃይለ ኣስፍሃ፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት፡ ቀጻሊ ወፈራ ከምዝውደብ ገሊጹ። ኣብ ስሉጥነትን ውሕስነትን ኣገልግሎት መጐዓዝያ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ድማ ኣረዲኡ።

Categories