ኣብ ከተማ ደቀምሓረ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ‘ዶንቦስኮ’፡ ብሸሞንተ ዓውድታት ትምህርቲ ንክልተ ዓመት ዘሰልጠነቶም 327 ተመሃሮ፡ ብ28 ሰነ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ።

ሰልጠንቲ፡ ኮርስ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 ከምኡ’ውን ኮርስ ዓመተትምህርቲ 2019/2020 ኰይኖም፡ ብሞያ ኣውቶመካኒክ፡ ስርሓት ሓጺን፡ ኤለክትሪሲቲ፡ ጽርበት ዕንጸይቲ፡ ጽርበት ሓጺን፡ ኤለክትሮኒክስ፡ ስራሓት ህንጻን ቅየሳን እዮም ትምህርቶም ዛዚሞም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኽበ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ጨንፈር ምቁጽጻርን ምርግጋጽን ብቕዓት ስልጠና ኣቶ መዓሾ ገብረትንሳኤ፡ ሰልጠንቲ ብዝቐሰምዎ ሞያን ፍልጠትን፡ ኣብ ህንጸት ሃገር ኣበርክቶ ክገብሩ ዘለዎ እምነት ገሊጹሎም።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣቶ የማነ ኣበራ ብወገኑ፡ ሰልጠንቲ – ቀሲሞምዎ ንዘለዉ ትምህርቲ ብግብራዊ ስራሕ ከማዕብሉዎ ተላብዩ።

ምክትል ዳይረክተር ቤትትምህርቲ ስነ-ኪነት ‘ዶንቦስኮ’ መምህር ተስፋሚካኤል ተኽለ ድማ፡ ተመሃሮ ዝቐሰምዎ ፍልጠትን ብሓባር ናይ ምንባር ሜላን፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰቦም ከተግብርዎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ 1998 ስርሓ ዝጀመረት ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ‘ዶንቦስኮ’፡ ክሳብ 2019 ዓ.ም 2,430 ተመሃሮ ከምዘመረቐት ተፈሊጡ።

Categories