ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓዲ-ቐይሕን ናቕፋን ከምኡ’ውን ኣብ ዓሰብ ንስድራስዉኣት ናይ ገንዘብን ዓይነትን ሓገዝ ተገይሩ።

እቲ ናይ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ኣስታት 130 ሽሕ ናቕፋን ልዕሊ 10 ኩንታል እኽልን ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ምምሕዳራት ከባቢ ሕሽመለ፡ ዑናቡር፡ ሃዳሙን ሓይነባን 58 ሽሕ ናቕፋ፣ ምምሕዳር ከባቢ ኣውህነ 11,750 ናቕፋ፣ ምምሕዳር ከባቢ ደርዓ ልዕሊ 10 ኩንታል እኽሊ፣ ኮለጅ ንግዲን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ድማ 60 ሽሕ ናቕፋ ዘበርከትዎ እዩ።

እቶም ዜጋታት ኩሎም፡ ነቲ ሓገዝ ብዝለዓለ መልክዑ ክቕጽልዎ ምዃኖም ተመባጺዖም ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ ኣቶ ሃብታይ ተስፋዝጊ፡ ነዚ ሰናይ ተበግሶ ኩለን ትካላትን ሰብ-ጸጋን ክስዕብዎ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ድማ፡ ኣብ ትካላት መንግስቲ ዝነጥፉ መንእሰያት ሰራሕተኛታት፡ ካብ ወርሓዊ ደሞዞም ዘዋጽእዎ 66 ሽሕ ናቕፋ ን11 ስድራ ስዉኣት ከመቓርሑ እንከለዉ፡ ጓል ስዉእ ገባሪት ሰናይ ከኣ፡ ን11 ጽጉማት ስድራስዉኣት 11 ሽሕ ናቕፋ ኣበርኪታ።

ኣብ’ቲ ናይ ምርኽኻብ ኣጋጣሚ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣቶ ያቆብ እድሪስ፡ ስድራ ስዉኣት ምንባይ ሓላፍነት ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ንሰናይ ተግባር ናይቶም መንእሰያት ሰራሕተኛታት ሞጒሱ።

ኣባላት ውዳበ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ እውን፡ ኣብ ከተማ ዓሰብ ንዝርከባ 15 ስድራ-ስዉኣት ገንዘባውን ዓይነታውን ሓገዝ ገይሮም።

ኣቦ-መንበር’ቲ ውዳበ መንእሰይ ኢብራሂም ሳልሕ፡ ኣባላት ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ስድራ ስዉኣት ንምንባይ ካብ ደሞዞም ተቖራጺ ብምግባር፡ ንነፍሲወከፍ ስድራ ወርሓዊ 500 ናቕፋ ከምዝሕግዙ ሓቢሩ።

ካብ ትካላት ብሓገዝ ዝኣከብዎ፡ ንሓንቲ ስድራ ዋጋ ልዕሊ 1,200 ናቕፋ ሩዝ፡ ፊኖ፡ ዓደስ፡ ዘይቲ፡ ሽኮርን ካልእ ሃለኽትን እውን ከምዘመቓርሑ ገሊጹ።

Categories