ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ – ምምሕዳር ከባቢ ሑጺት ዝርከብ ልዕሊ 500 ሄክታር ዝሽፍን ‘ዓዳዊ ሕዛእቲ’ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝርከብ፡ ነበርቲ ሓቢሮም።

ነቲ ሕዛእቲ ቀጻሊን ጥቡቕን ምክትታል ከምዝካየደሉ ዝሓበሩ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ከም ውጽኢቱ መበቈላውያን ኣግራብ እናሰሰኑ ይመጽኡ ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ሑጺት ኣቶ ዑስማን ዑመር፡ ነበርቲ ጐድኒጐድኒ ሓለዋ ኣግራብ፡ ማይን ሓመድን ንምዕቃብ እውን ወፈራዊ ስራሓት የካይዱ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ሓለዋ ኣግራብ ዝነጥፉ ዘለዉ መንእሰያት ብወገኖም፡ እቲ ሕዛእቲ በቲ ዝድለ ንኽስስን፡ ምስ ህዝቢ ተወሃሂዶም ዘካይድዎ ጻዕሪ ብዝለዓለ ከምዝቕጽልዎ ኣረጋጊጾም።

Categories