ኣብ ዞባ ደቡብ – ንኡስ ዞባ ማይዓይኒ፡ ክስራሕ ዝጸንሐ ፕሮጀክት ቀረብ ዝስተ ማይ ሓበናት ተዛዚሙ – ብ13 ሰነ ተመሪቑ።

ሓላፊ ሃብቲ ማይ ዞባ ደቡብ ኣቶ ክብሮም ምስግና፡ እቲ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ናቕፋ ዝወድአ ፕሮጀክት፡ 60 ሜትሮ ዕምቈት ዘለዋ ዒላ፡ 25 ሜተር-ኲብ ማይ ዝሕዝ ባስካ፡ ሰለስተ መዐደሊ ነቝጣታት፡ ኣስታት 5 ኪሎ-ዋት ዘመንጩ ጸሓያዊ ጸዓት፡ ከምኡ’ውን ን2254 ሜተር ዝተዘርገሐ ሻምብቆታት ከም ዘጠቓልል ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ማይ-ዓይኒ ኣቶ ኣሕመድ ዑስማን ብወገኑ፡ እቲ ፕሮጀክት ሳላ ምውህሃድ ህዝብን ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ኣብ’ቲ ዝተወሰነሉ ግዜ ከምእተዛዘመ ድሕሪ ምሕባር፡ ነበርቲ ብግቡእ ከመሓድርዎ ተላብዩ።

ኣብ ካልእ ዜና ናይ’ቲ ዞባ – ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ተቐማጦ ታሕታይ ዓዛርና፡ ኣብ ማእከል ዓዶም ብውሕጅ ተባሕጒጉ ኣብ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ዝነበረ መሬት ንምፍዋስ፡ ጉልበቶምን ገንዘቦምን ኣወሃሂዶም ይሰርሑ ኣለዉ።

ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ መንደፈራ – ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ልምዓት መስኖን ኣቶ መኮነን ፍስሃየ፡ ነበርቲ ካብ 1 ሰነ ጀሚሮም ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ እናወፈሩ – ዛጊት ኣብ 8.5 ሄክታር፡ 150 ሜተር-ኩቦ ከትሪ ብእምኒ፣ 50 ሜተር-ኩቦ ከትሪ ድማ ብጋብዮን ከምዝሰርሑ ሓቢሩ።

ምስ ምምሕዳር ከባቢ ኪለውሊዕ እትጥርነፍ ታሕታይ ዓዛርና፡ ካብ መንደፈራ ንሸነኽ ሰሜናዊ ምብራቕ 4 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ ትርከብ።

Categories