ብምውህሃድ መኸተ ልምዓት፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲን ምምሕዳር ዞባ ጋሽባርካን፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰልዓ – ምምሕዳራት ከባቢ ደባ-ሳተ፡ ሓምበክታ፡ ጣሕራ፡ ርከብን ፍቱይን ዝተሃንጻ 5 ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ካብ 21 ክሳብ 24 ሰነ ተመሪቐን።

ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ወኤላ መሓመድ-ዓሊ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ መንግስቲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምስፋሕን ንምምዕባልን ብዝወሰዶ ዕቱብ ስጉምቲ፡ እዘን ኣብያተትምህርቲ ምስ’ቲ ኣቐዲሙ እተጸርገ ጽርግያ ተደሚረን፡ ኣብ ምዕባለ’ቲ ከባቢ ደፋኢ ኣበርክቶ ከምዝህልወን እምነቱ ገሊጹ።

ንተራ ህዝቢ፡ ህዝባዊ ሰራዊትን ኣሃዱታት ምክትታል ዶባትን ዝሞጐሰ ኣቶ ወኤላ፡ ኣብ ከባቢታት ባድን፡ ምዕርን ሕሩምን ኣብ ዳሳት ዘምህራ ዘለዋ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ናብ ዘመናዊ ህንጻታት ክሰጋገራ ዝካየድ ጻዕሪ ክሕይል ኣዘኻኺሩ።

ኣዛዚ እዚ ምዕራብ-ሰሜን ዶባት ኮሎኔል ዮናስ ብጹእኣምላኽ፡ ፍልጠት ዝዓጠቑ ዜጋታት ንምህናጽ ኣብ ዝግበር ስራሓት፡ ተሳትፎ ሕብረተ-ሰብን መሻርኽቲ ስራሕ ኣካላትን ክዓዝዝ፣ ወለዲ ድማ ደቆም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክልእኩን ብግቡእ ክከታተሉን ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም ብወገኑ፡ እቲ ህንጻታት ዘድሊ ውጽኢት ክህብ፡ ዕድመኡ ንትምህርቲ ዝኣኸለ ቈልዓ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ምስ ዝጽንበር ስለዝኾነ፡ ኣመሓደርቲ ከባብን ኣነባበርቲ ዓድን ግቡእ ተራኦም ክጻወቱ ኣተሓሳሲቡ።

ሓንቲ ካብ 16 ንኡሳን ዞባታት ጋሽባርካ ዝኾነት ንኡስ ዞባ ሰልዓ፡ ኣብ 9 ምምሕዳራት ከባቢን 33 ዓድታትን ዝሕቈፍ፡ 25 ሽሕ ህዝቢ ኣለዋ።

Categories