ትማሊ 24 ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ዓንሰባን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 61 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዚኣቶም፡ 41 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 19 ኣብ ከረን – ዞባ ዓንሰባ፣ ሓደ ከኣ ኣብ ዕዲ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 58 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 11 ድማ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – 69 ዜጋታት ሓውዮም ተፋንዮም ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ትማሊ 5,664 በጺሑ ኣሎ። ካብዚኣቶም፡ 5147 ሓውዮም ተፋንዮም፣ 21 ብሞት ተፈልዮም፣ 496 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ይርከቡ።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 24 ሰነ 2021

Categories