ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ – ምምሕዳር ከባቢ ደምሒና ኣብ ዝርከብ ሕሩም ሕዛእቲ ብ16 ሰነ ዝተኸስተ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን ጉድኣት ከምዘውረደ፡ ደንጒዩ ዝበጽሓና ሓበሬታ ገሊጹ።

ብሰንኪ’ቲ ሓደጋ፡ ልዕሊ 90 ሄክታር ሕዛእቲ ከምእተቓጸለ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ልምዓት ኣግራብ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ግርማይ ኣብርሃ ሓቢሩ።

እቲ ባርዕ፡ ፈሓም ንምፍሓም ካብ ዝተኣጒደ ሓዊ ዝተበገሰ ምዃኑ ከምእተረጋገጸን፡ እቶም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምህላዎምን፡ ኣብ ኣሃዱ ልምዓት ኣግራብ ተቘጻጻሪ ምብራቓዊ ኣጻድፍ ኣቶ ኣብርሃም ሓጐስ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ከባቢ ደምሒና ኣቶ መሓመድ-ዓሊ ዑስማን፡ ንልዕሊ 11 ዓመታት ዝተዓቀበ ሕዛእቲ ብሸለልትነት ብምህማኹ ኣዝዩ ከምዝሓዘነ ገሊጹ። እቲ ከባቢ ኣጻድፍ ስለዝበዝሖ፡ ነቲ ባርዕ ንምቊጽጻር ብድሆ ከምዝኾኖም እውን ኣገንዚቡ።

Categories