ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ዓዲጣፋ-ንፋስን ኩዶዝብኦን ገንዘቦምን ጉልበቶምን ኣወሃሂዶም ብዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ዓዲጣፋንፋስ ዝነበረ ጽበት መምሃሪ ክፍልታት ተፈቲሑ።

በቲ ተበግሶ ብኣስታት 780 ሽሕ ናቕፋ ዝተሃንጸ ኣርባዕተ ዓበይቲ ክፍልታት ዘለዎ ብሎክ፡ ብ13 ሰነ ከም እተመረቐ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቲ ኣርባዕተ ክፍልታት፡ ንዝጸንሐ ጽበት ብምፍዋስ፡ ጸገም ናይቶም ልዕሊ 7 ኪሎ-ሜትር እናተጓዕዙ ክመሃሩ ዝጸንሑ ቈልዑ ዝፈትሕ ብምዃኑ፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን እወታዊ ተራ ከምዘለዎ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ፡ ተቐማጦ’ቲ ከባቢ ንዝወሰድዎ ተበግሶ ብምምጓስ፡ ሕጽረታት’ታ ቤት-ትምህርቲ ንምምላእ፡ እቲ ጨንፈር ዝከኣሎ ከምዝገብር ኣረጋጊጹ።

ካብ መንደፈራ ንሸነኽ ደቡብ 28 ኪሎሜተር ርሒቓ እትርከብ ቤት-ትምህርቲ መባእታን ማእከላይ ደረጃን ዓዲጣፋንፋስ፡ ንተቐማጦ ምምሕዳራት ከባቢ ዓዲጣፋ-ንፋስ፡ ኩዶ-ዝብኦን ምድፋእ ዋልታን እተገልግል ኮይና፡ ሎሚ ዓመት 750 ተመሃሮ ኣለዉዋ።

Categories