ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ኣስታት 186 ሽሕ ናቕፋ፡ ብመልክዕ ሓገዝ ካብ 12 ምምሕዳራት ከባቢ ንዝተዋጽኣ 284 ስድራ-ስዉኣት ተኸፋፊሉ።

እቲ ሰራሕተኛታት መንግስትን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታትን ዘበርከትዎ ገንዘብ፡ 91 ሽሕ ናቕፋ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ደቂ-ሸሓይ፡ 95 ሽሕ ናቕፋ ድማ ኣብ’ተን ካልኦት ምምሕዳራት ከባቢ ከምእተመቓርሐ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም ሓጐስ ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ከም’ዚ ዝበለ ሓገዛት ዓሚቚ መልእኽቲ ስለዘለዎ፡ ብዝሓየለ መልክዑ ክድፋኣሉ ኣዘኻኺሩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ መቐርካ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊትን ወከልቲ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢን፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ማእቶት ኣካዪዶም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ሸኻ-ወዲ ብስራት፡ ኣስታት 2,500 ተመሃሮን መማህራንን ብዝተሳተፍዎ ወፈራ፡ 1,500 ፈልሲታት ኣግራብ ክትከል እንከሎ፣ ኣባላት ማሕበር ምትሕግጋዝ ክፍላተሰራዊት 70፡ 16ን 52ን ነበር ድማ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ንኡስ ዞባ መንደፈራ ተመሳሳሊ ንጥፈት ከምዘካየዱ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories