ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ እትርከብ ቤትትምህርቲ ስነ-ኪነት ማይ-ሓባር፡ 96 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 327 ተመሃሮ፡ ብ22 ሰነ ብሰርቲፊኬት ኣመሪቓ።

ተመረቕቲ፡ ናይ ክልተ ዙርያታት – ማለት ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2019/2020 ከምኡ’ውን ናይ ዓመተ ትምህርቲ 2020/2021 ምዃኖም ዝሓበረ ዳይረክተር ናይ’ታ ቤትትምህርቲ መምህር ወሃብ መሓመድዓሊ፡ 42 ብኣውቶመካኒክ፡ 38 ብስነህንጻ፡ 18 ብንድፊ፡ 44 ብኤሌክትሪሲቲ፡ 38 ብድራውሊኮ፡ 42 ብሓፈሻዊ ስርሓት ሓጺን፡ 41 ብኤለክትሮኒክስ፡ 21 ብቅየሳ፡ 43 ድማ ብጽርበት ዕንጸይቲ ዝሰልጠኑ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ እውን፡ ንሰለስተ ኣዋርሕ ብዝተፈላለየ ሞያታት ዝሰልጠኑ 112 መንእሰያት ተመሪቖም።

እቲ ስልጠና፡ ስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ርእሲ፡ ዘመናዊ ኣሰራርሓ መግቢ፡ ከምኡ’ውን ኮምፕዩተር ቴክኖሎጂ ዘጠቓለለ እዩ።

ወኪል ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ኣቶ መሓረና ተኽለኣብ፡ ሰልጠንቲ ኣገዳስነት ናይ’ቲ ብመልክዕ ሓገዝን ስማዊ ክፍሊትን ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ተገንዚቦም፡ ብግብራዊ ስራሕ ከማዕብልዎ ተላብዩ።

Categories