ብ27ን 28ን ሰነ ኣብ መወሸቢ ማእከላት ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ብዝተገብረ ናይ ላቦራቶሪ መርመራታት፡ 104 ዜጋታት ብኮሮና ቫይረስ ምልካፎም ተረጋጊጹ።

እዚኣቶም፡ 30 ብ27 ሰነ፡ 74 ድማ ብ28 ሰነ ብዝተገብረ መርመራታት መልከፍቶም ዝተረጋገጸ ክኾኑ ከለዉ፡ 55 ኣብ ኣስመራ – ዞባ ማእከል፣ 45 ኣብ ዞባ ደቡብ – ማለት 15 ኣብ ሰንዓፈ፡ 7 ኣብ መንደፈራ፡ 7 ኣብ ጸሮና፡ 4 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ፡ 4 ኣብ ድባርዋ፡ 2 ኣብ እንዳ-ገርግስ፡ ሓደ ኣብ ተራ-እምኒ፡ ሓደ ኣብ እምኒ-ሓይሊ፡ ሓደ ኣብ ዓዲ-ዃላ፡ ሓደ ኣብ ቅናፍና፡ ሓደ ኣብ ኳዓቲት፡ ሓደ ድማ ኣብ ማይ-ዓይኒ፡ ከምኡ’ውን 4 ኣብ ዓሰብ – ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ተወሺቦም ዝጸንሑ እዮም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ክንክን ክግበረሎም ዝጸንሑ፡ 70 ኣብ ዞባ ማእከል፡ 21 ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ 12 ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ 6 ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ – 109 ዜጋታት ሓውዮም ክፋነዉ እንከለዉ፡ ወዲ 84 ዓመት ኣቦ ካብ ዞባ ደቡብ ድማ ብሞት ተፈልዮም።

በዚ መሰረት፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ ዜጋታት ክሳብ ትማሊ 5,884 በጺሑ ኣሎ። 5,370 ካብ’ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ 22 ብሞት ዝተፈልዩ፡ 492 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ እዮም።

ሚኒስትሪ ጥዕና – 28 ሰነ 2021

Categories