ኣብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት ሓላፊ ክፍሊ ምክትታል ጉዳያት ህዝቢ – ገዲም ተጋዳላይ ዑስማን ዓብደላ ብሉሕ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ27 ሰነ ኣብ መበል 69 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ኣስመራ ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 1970 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ዑስማን ብሉሕ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ውድብ ህዝባዊ ግንባር – ክሳብ ብደረጃ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ፈለማ ኣብ ዞባታት ጋሽ-ባርካን ደ/ቀ/ባሕሪን ኣመሓዳሪ ከተማ፣ ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰ/ቀ/ባሕሪ ሓላፊ ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት ሓላፊ ክፍሊ ምክትታል ጉዳያት ህዝቢ ብምዃን፡ ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ ዑስማን ብሉሕ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 7 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 28 ሰነ ልክዕ ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት፡ ብመስዋእቲ ገዲምን ውፉይን ተጋዳላይ ዑስማን ብሉሕ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories