ኣብ ዓደ’ርዓዳ – ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ ብልዕሊ 2 ሚልዮን ናቕፋ ዝተዋደደ ፕሮጀክት ቀረብ ዝስተ ማይ፡ ብ15 ሰነ ተመሪቑ።

እቲ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክት፡ 250 በርሚል ዝሕዝ ገንኢ፡ 4 መዐደሊ ነቑጣታትን 3,450 ሜተር ዝተዘርግሐ ሻምብቆታትን ከምዘጠቓልል፡ ሓላፊ ጨንፈር ማይ ዞባ ማእከል ኣቶ ግርማይ ተኽለኣብ ሓቢሩ።

ኣብ ዓደ’ርዓዳ ውሑስ ምንጪ ጽሩይ ዝስተ ማይ ብዘይምጽንሑ፡ ነበርቲ ኣብ ከቢድ ጸገም ከምዝጸንሑ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጋላነፍሒ ኣቶ መሓሪ ዮውሃንስ ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ሓላፊ ልምዓት ቀረብ ማይ ኣቶ ምስግና ገብረስላሴ ብወገኑ፡ እቲ ፕሮጀክት ኣገልግሎቱ ክነውሕ – ነበርቲ ክንክን ክገብሩሉን ውሕሉል ኣጠቓቕማ ከዘውትሩን ተላብዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ኣበርክቶ ንዝገበሩ መሻርኽትን ደቂ ዓድን ናይ ምስጋና ወረቐት ተዓዲሉ።

ዓደ’ርዓዳ፡ ካብ ከተማ ኣስመራ ንሸነኽ ደቡብ 23 ኪሎ-ሜተር ርሒቓ እትርከብ ዓዲ እያ።

Categories