ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ እትርከብ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ዊና፡ ንክልተ ዓመት ዘምሃረቶም 90 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 297 ተመሃሮ፡ ብ13 ሰነ ብሰርትፊኬት ኣመሪቓ።

ተመረቕቲ፡ 46 ብዕረያ ማኪና፡ 39 ብስራሓት ሓጺን፡ 46 ብኤሌክትሪክ፡ 40 ብስራሓት ህንጻ፡ 46 ብጽርበት ዕንጸይቲ፡ 36 ብጽርበት ሓጺን፡ 24 ብቅየሳ፡ 20 ድማ ብንድፊ ዝሰልጠኑ ምዃኖም፡ ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ቃልኣብ ዘርኡ ሓቢሩ።

መምህር ቃልኣብ፡ ኣብ’ዛ ተወዳዳርነት እናሓየለ ዝመጽኣላ ዘሎ ዓለም፡ ንኹሉ ዘጋጥም ብድሆታት ንምግጣም ዘኽእል ወሳኒ ዕጥቂ ትምህርቲ ጥራይ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ተመሃሮ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ መበገሲ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ሞያኦም ንምዕባይ ክተግሁን ኣብ ሃገራዊ መደባት ልምዓት እጃሞም ከዕዝዙን ተላብዩ።

ወኪል ተመረቕቲ፡ ኣብ’ዚ ደረጃ ክበጽሑ ንዘብቅዕዎም ህዝብን መንግስትን፡ ብስራሕን ጻዕርን ሞሳኦም ንምኽፋል ድሉዋት ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።

ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ – ኣብ 1985 ኣብ ምብራቓዊ ሳሕል (ዓራግ) ኣገልግሎት ክትህብ ዝጀመረት ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ስነኪነት ዊና፡ ዛጊት 856 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 3,351 ተመሃሮ ብሰርትፊኬት ከምዘመረቐት፡ ሰነዳታ የነጽር።

Categories