ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ዝነበረ – ገዲም ተጋዳላይ ኣብርሃ ጋርዛ ተኽሉ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ብ16 ሰነ ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍልታት ውድብ ህዝባዊ ግንባር፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ በብእዋኑ ካብ ሓላፊ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ዞባ ክሳብ ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽባርካ ብምዃን፡ ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ ኣብርሃ ጋርዛ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 5 ደቂን እዩ።

ስነ-ሰርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ትማሊ ሓሙስ 17 ሰነ ሰዓት 8:00 ንግሆ፡ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ከረን ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት፡ ብመስዋእቲ ገዲምን ውፉይን ተጋዳላይ ኣብርሃ ጋርዛ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories