ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ዝተዳለወ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦ፡ ብ16 ሰነ ቀሪቡ።

ኣብ’ቲ ንትርጉምን ርዝነትን መስዋእቲ ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ዝቐረበሉ መደብ ‘ዝናር ጥበባት’፡ ሓላፊ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ዞባ ማእከል ኣቶ እንድርያስ ኣስመሮም፡ ንጀጋኑ ሰማእታትና ዝግበር ዝኽሪ፡ ካብ’ቲ ስለና ዝኸፈልዎ ረዚን ዋጋ ህይወት ዝነቅል ምዃኑ ኣገንዚቡ።

እቲ መደብ፡ ነዚ እንሕበነሉ ታሪኽና ኣብ ምዕቃብን ኣብ ምትሕልላፍን ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ድማ እምነቱ ገሊጹ።

እቲ ብገዳይምን መንእሰያትን ስነጥበባውያን ዝቐረበ ትሕዝቶ፡ ዜማታት፡ ግጥምታት፡ ሙዚቃዊ ድራማታትን ቅብኣን ዘጠቓለለ ነይሩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ዕድመ ንዝተገብረሎም ስድራቤታት ስዉኣት ህያብ ተበርኪቱ።

እቶም ስድራቤታት ስዉኣት፡ ብትንፋስ ሰማእታት እተንበልብል ሰንደቕ ኤርትራ፡ ሓበንን ክብረትን ወለዶታት ስለዝኾነት – መንእሰያት ነዚ ታሪኽ’ዚ ብግቡእ ክወርሱዎ ዝግበር ጻዕሪ ክሕይል ኣተሓሳሲቦም።

Categories