ኣብ ከተማ ኣስመራ – ንኡስ ዞባ ጐዳይፍ እትርከብ – ብኢጣልያውያን ኣውፈርቲ እትውነን ፋብሪካ ዓለባ ‘ዛኤር’፡ ፍርያታ ብዓይነትን መጠንን ብምምዕባል ጠለባት ዓማዊላ ንምምላእ ትሰርሕ።

ኣካያዲት ስራሕ’ታ ፋብሪካ ወ/ሮ ዳኒኤላ ዮውሃንስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ መዓልታዊ 2000 ካምቻታት፡ 650 ስረታት፡ 800 ዝተፈላለየ ኣልባሳትን ኣንሶላታትን ከምእተፍሪ፣ ምስ ክስተት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ድማ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ትቕርብ ከምዘላ ሓቢራ።

እታ ትካል፡ ን550 ዜጋታት ናይ ስራሕ ዕድል ከፊታ ምህላዋ ዝሓበረት ወ/ሮ ዳኒኤላ፡ ኣብ ንጥፈታታ ዘተባብዕ ለውጢ ተምጽእ ከምዘላ ገሊጻ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም 4,500 ዓማዊል ድኳናት ስለዘለውዋ፡ ጠለባቶም ንምምላእ ብሉጽ ፍርያት ንምቕራብ ከምእተዓዪ እውን ኣረዲኣ።

ኣብ’ታ ትካል ዝሰርሓ ኣዴታት፡ ቀሲነን ስራሐን ከማልኣን ኣፍራይነተን ክብ ክብልን፡ ደቀን ኣብ ጐድነን ኰይኖም ዝእለዩሉ ባይታ ከምእተፈጥረ፣ በዚ ድማ ካብ 3 ወርሒ ክሳብ 4 ዓመት ኣብ’ቲ ትካል ብግቡእ ዝእለዩ ህጻናት ከምዘለዉ ወ/ሮ ዳኒኤላ ሓቢራ።

ብተወሳኺ፡ ካብ 5 ክሳብ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ልዕሊ 80 ተመሃሮ ደቀን፡ ናይ ትምህርቲ ወጻኢታቶም በታ ትካል ከምዝሽፈንን ተወሳኺ ናይ ትምህርቲ ሓገዝ ከምዝግበረሎምን ገሊጻ።

ፋብሪካ ዓለባ ‘ዛኤር’፡ ኣብ 2004 እያ ናብ ብሕታዊ ኢጣልያዊ ወፍሪ ተሰጋጊራ።

Categories