ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ተሳታፍነት፡ ተወዳዳርነትን ቀጻልነትን ደቂኣንስትዮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምርግጋጽ ብዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሞጎሎ ን120 ደቂ-ኣንስትዮ ተመሃሮ መተባብዒ ህያባት ዓዲሉ።

እቲ መተባብዒ፡ ናውቲ ትምህርትን ካልእ ምስ ሂወተን ዝተኣሳሰር መሳርሒታትን፡ ከምኡ’ውን ካብ ርሑቕ ከባቢታት እናተመላለሳ ንዝመሃራ ብሽክለታታት ዘጠቓለለ እዩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ሳልሕ ኣድም ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ወለዲ ንደቆም ብሓፈሻ ንደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ፡ ክሳብ’ቲ ዝለዓለ ደረጃ ክቕጽላ ምእንቲ ክድግፍወን ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት እውን፡ ን120 ብሉጻት ተመሃሮ ማእከላይ ደረጃ፡ ተመሳሳሊ መተባብዒ ህያባት ተዓዲሉ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ገብረሚካኤል ኣልኣዛር፡ እተን ተማሃሮ በቲ መተባብዒ ተደጊፈን ዝያዳ ተወዳደርቲ ክዀና ዘለዎ እምነት ገሊጹለን።

ኣብ ንኡስ ዞባ ድገ ብተመሳሳሊ፡ ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተ-ትምህርቲ ንዝተዋጽኣ 120 ደቂ-ኣንስቲዮ ማእከላይ ደረጃ ተመሳሳሊ ህያባት ዓዲሉ።

Categories