ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ካብ ዝተተኽለ ኣሽሓት ፈልሲታት ኣግራብ፡ እቲ 90 ሚእታዊት ከምዝጸደቐ፡ ሓላፊ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ባጽዕ መምህር እስማዒል ሳልሕ ገሊጹ።

እዚ በብእዋኑ ዝተተኽለ ኣግራብ፡ ንክሊማ’ቲ ከባቢ ኣብ ግምት ዘእተወን ብመምርሒ ክኢላታት ሕርሻ ዝተተኽለን ምዃኑ ዝጠቐሰ መምህር እስማዒል፡ እቲ ኣግራብ ብዝፈጠሮ ግርማን ጽላልን፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ተመሃሮ ፍቕሪ ምግራብ ኣብ ምስራጽ እወታዊ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ ሓላፊ ኣሃዱ ምግራብ ኣቶ ሰለሙን ኣርኣያ ብወገኑ፡ ትካላት መንግስቲ፡ ኣብያተእምነትን መንበሪ ኣባይትን ብሓፈሻ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ ከኣ ብፍላይ ቀንዲ ኣተግበርቲ መደባት ምግራብ ምዃነን ጠቒሱ፡ ብትግሃት መማህራንን ተመሃሮን – እቲ ዝተዋህበን ፈልሲታት መብዛሕትኡ ከምዝጸደቐ ኣረዲኡ።

Categories