ኣብ ዞባ ማእከል ዝተሃንጻን ዝተጸገናን ዲጋታት፡ ኣብ ምህብታም ትሕዝቶ ትሕተ-ባይታዊ ማይን ምድንፋዕ ሕርሻዊ ልምዓትን ልዑል ኣበርክቶ ይገብራ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሕርሻዊ ትሕተቅርጺ ኢንጅነር ኣብርሃም ዳኒኤል፡ ካብ 1914 ክሳብ 1930 ቀረብ ማይ ከተማ ኣስመራ ንምምላእን ልምዓት መስኖ ንምድንፋዕን፡ 11 ዲጋታት ከምእተሰርሓ፣ ድሕሪኡ በብእዋኑ እናወሰኻ ብምምጻእ ድማ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 84 ዲጋታትን 42 ራህያታትን በጺሐን ከምዘለዋ ገሊጹ።

ኣብ 1992 ኣስታት 230 ሄክታር ዝነበረ ስፍሓት ብመስኖ ዝለምዕ መሬት፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ከባቢ 2000 ሄክታር ከምዝበጽሐ እውን ኣረዲኡ፡

እዘን ዲጋታትን ራህያታትን፡ ብድምር 70 ሚልዮን ሜተር ኲብ ማይ ክዕቅባ ዝኽእላ ምዃነን ብምምልካት፡ እተን 12 ዲጋታት ቀረብ ዝስተ ማይ ከተማ ኣብ ምምላእ፣ 72 ዲጋታት ኣብ ልምዓት መስኖ፣ 42 ራህያታት ድማ ንዘቤታዊ ኣገልግሎትን ጥሪትን ኣብ ምግልጋል ከምዝርከባ ሓቢሩ።

Categories