ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን – ገዲም ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ኢዮብ ዘውደ (ኤስቡ)፡ ብዝሓደሮ ሕማም ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ8 ሰነ ኣብ መበል 75 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ካርቱም – ሱዳን ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1978 ኣብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ኢዮብ፡ ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ኣሃዱ መጐዓዝያን፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ገዲም ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ኢዮብ (ኤስቡ)፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል፡ ብ9 ሰነ ኣብ ካርቱም – ሱዳን ተፈጺሙ።

ምምሕዳር ዞባ ማእከል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ሃይለሚካኤል ኢዮብ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories