ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ብጉጅለ ‘ኤሪ ቻይልድሁድ’ ዝፍለጡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ – ክፍሊ ፊዝዮተራፒ ንዝእለዩ ስንኩላን ዘገልግላ፡ 100 ዓረብያታት ብ5 ሰነ ኣበርኪቶም።

ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ ሓላፊ ክፍሊ ፊዝዮተራፒ ኣቶ ገብረሂወት ተኽለ፡ ተበርኪተን ዘለዋ ዓረብያታት፡ ኣብ ምቅላል ጸገማት ስንኩላንን ኣለይቶምን ዝህልወን ኣበርክቶ ቀሊል ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ ንኣባላት ጉጅለ ‘ኤሪ ቻይልድሁድ’ ስለ’ቲ ሓገዞም ምስጋና ኣቕሪቡ።

እቲ ጉጅለ ቅድሚ ሕጂ’ውን ተመሳሳሊ ደገፍ ክገብር ምጽንሑ ጠቒሱ ድማ፡ እተን ዓረብያታት ከከም ኣድላይነቱ ናብ ኩለን ዞባታት ከምእተኸፋፈላ ሓቢሩ።

ንጉጅለ ‘ኤሪ ቻይልድሁድ’ ወኪሉ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ መምህር መሰረት ፍስሃየ ብወገኑ፡ ‘ኤሪ ቻይልድሁድ’ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ደገፍ ክገብር ካብ ዝጅምር፡ ዛጊት 250 ዓረብያታት ስንኩላን ከምዘበርከተ ገሊጹ።

እተን ዓረብያታት ስንኩላን፡ 50 ንዞባ ማእከል፡ 20 ንዞባ ደቡብ፡ 15 ንዞባ ጋሽባርካ፡ ንዞባታት ዓንሰባ፡ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪን ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪን ድማ ሓሓሙሽተ ከምእተኸፋፈላ ተፈሊጡ።

Categories