ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ደቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃን ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ብ5 ሰነ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግን ከባቢኣን ንዝነብሩ ኤርትራውያን ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣምባሳደር ሳልሕ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ጎዶቦናን፡ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ ንሓባራዊ ሰላም፡ ሽርክነትን ምዕባለን ዝጀመሮ ጻዕሪ፡ ዋላ’ኳ ብድሆታት እንተሎ፡ ባህግን ድሌታትን ህዝብታት ዞባናን ኪኖኡን ስለዝኾነ፡ ኣብ ምዕዋቱ ዘጠራጥር ከምዘየለ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፡ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ደቡባዊ ዞባ ኣፍሪቃን ዝነብሩ ድማ ብፍላይ፡ ብምኽንያት ጽምብል መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ዘካየድዎ ንጥፈታት፡ ሓቀኛ ፍቕሪ ሃገርን ናጽነትን ዝተነጸረሉን ቅኑዕ ምስሊ ኤርትራን ኤርትራውነትን ዝተንጸባረቐሉን ምንባሩ ገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣምባሳደር ሳልሕ፡ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ።

Categories